Skip to content

Latest commit

 

History

History
458 lines (233 loc) · 47.9 KB

tigrinya.md

File metadata and controls

458 lines (233 loc) · 47.9 KB

BBC ናይ ውሽጢ ዓዲ

ዩክረይን፡ መወዳእታኡ ካብ ዕቝር ማዕድናታ ንኣመሪካ ክትህብ ተሰማሚዓ

ረቡዕ፣ 26 ለካቲት 2025 ሰዓት 7:37:28 ቅ.ቀ.

ትራምፕ፡ "እቲ ገንዘብ ክንመልሶ ንደሊ ኢና፡" ኢሉ። "ነታ ሃገር ኣብ ጸገማ ንሕግዛ ኣለና። እንተዀነ ሕጂ፡ ከፈልቲ ግብሪ ኣመሪካውያን ገንዘቦም ክምለሰሎም ኣለዎ።"

ብዛዕባ ሞት ኤርትራዊ ስደተኛ ሕጂ`ውን ካልእ ሓበሬታ ወጺኡ

ረቡዕ፣ 26 ለካቲት 2025 ሰዓት 8:30:26 ቅ.ቀ.

እዚ ወዲ 23 ዓመት መንእሰይ፡ ኣብ ነፍስ-ወከፍ 15 ደቓይቕ ብኣለይቲ ደሃይን ምክትታልን ክግበረሉ ዝግባእ ኰይኑ፡ እቲ ተገሊጹ ዝነበረ ደረጃ 2 ዝበሃል ምእካብ ትዕዝብቲ ድሕሪ ቀትሪ ከም ዘይተኻየደ ንዳያኑ ተነጊሩዎም።

ካልኣይ መድረኽ ዙር ርዋንዳ ከመይ ነበረ?

ረቡዕ፣ 26 ለካቲት 2025 ሰዓት 8:52:34 ቅ.ቀ.

ኣባላት እስራኤላዊት ጋንታ ፕሪሜር ቴክ፡ ንራዲ ግሪሞር ከምኡ'ዉን ኢታማር ኢንሆር ቀዳማይን ካልኣይን ወጺኦም።

ድሕሪ 20 ዓመት ናብ ፖለቲካ ብዛዕባ ዝተመልሰ ሓድሽ ቻንስለር ጀርመን እንታይ ንፈልጥ?

ሰሉስ፣ 25 ለካቲት 2025 ሰዓት 4:22:31 ቅ.ቀ.

ብፍላይ ኣብቲ ምስ ቻንስለር ጀርመን-ነበር ኣንገላ መርከል ዝነበሮ ውሽጣዊ ንሕንሕ ብተደጋጋሚ ተሳዒሩ ነይሩ። ተስፋ ቀቢፁ፡ ካብ ፖለቲካ ክርሕቕ'ውን ውሲኑ ነይሩ። እቲ ክልተ ሰለስተ ግዜ ስዕረት ዝጠዓመ መርዝ፡ ምሉእ ብምሉእ ካብ ባይቶ ወጺኡ ናብ ስራሕ ዓለም ኣቢሉ፡ ካብ ፖለቲካ ፈጺሙ ተረሲዑ፡ 'ኣኺሉዎ ናይ ትማሊ ሰብ' ተባሂሉ'ውን ነይሩ።

ነብሰ ቅትለት ገበን ድዩ? ሕጊ ኢትዮጵያኸ እንታይ ይብል?

ረቡዕ፣ 26 ለካቲት 2025 ሰዓት 6:29:50 ቅ.ቀ.

ኣብ መብዛሕትአን ሃገራት ዓለም፡ ፈተነ ነብሰ ቅትለት ከም ገበናዊ ተግባር ዘይኮነስ ከም ጸገም ጥዕና ኣእምሮ ዝቑጸር ኮይኑ፡ ኣብ ገለ ሃገራት ድማ ብገበን ዘሕትትን መቕጻዕቲ ዘኸትልን እዩ።

ነፍሰ-ጾር ኰይና ኣብ ኦሎምፒክ ንዓለም ዘስደመመት ተወዳዳሪት

ረቡዕ፣ 26 ለካቲት 2025 ሰዓት 4:45:39 ቅ.ቀ.

ናዳ ሓፌዝ፡ ኣብ ጸወታታት ፓሪስ መበል 16 ደረጃ ሒዛ ክትዛዝም እንከላ፡ ኣዝያ ሕጕስቲ ነይራ፤ ናዳ፡ ብ2016 ኣብ ሪዮ፡ ብ2020 ድማ ኣብ ቶክዮ ተወዳዲራ'ያ።

ካልኣይ መድረኽ ዙር ርዋንዳ፡ ብራዲ ግሪሞር ቀዳማይ ሄኖክ ሻዱሻይ ወጺኦም

ሰሉስ፣ 25 ለካቲት 2025 ሰዓት 12:54:34 ድ.ቀ.

ኣብ መበል 24.6 ኪሎሜተር ኣብ ዝነበረት ነጥቢ ተወህብ ዓቕበት፡ እቶም በይኖም ኣብ ቅድሚት ዝነበሩ ዶርንን ንሰንጉማናን ተመራሪሖም ክኣትዉ እንከለዉ፡ ካብኦም ብልዕሊ ክልተ ደቒቕ ድሒሩ ዝነበረ ዲደር ሙንየኔዛ ሳልሳይ ኮይኑ ኣትዩ።

ኣብ ሱዳን ክልተ መንግስታት ክህልዉ ዘግብር ኣካይዳ እንታይ ሳዕቤናት ኣለዎ?

ሰሉስ፣ 25 ለካቲት 2025 ሰዓት 8:23:12 ቅ.ቀ.

ሓይልታት ዳዕመ ኣ'ሰሪዕ ምስ ናይ ፖለቲካውን ዕጡቓትን መሻርኽቶም ኣብ ትሕቲ ቍጽጽሮም ኣብ ዝርከባ ከባቢታት ጐድናዊ መንግስቲ ንምቛም ፖለቲካዊ ቻርተር ፈሪሞም።

ኣብ ፖርት-ሱዳን 'ሓዲግ' ዝተረፉ ኤርትራውያን ስደኛታት፡ እንታይ ይብሉ?

ሰሉስ፣ 25 ለካቲት 2025 ሰዓት 4:54:57 ቅ.ቀ.

ሰይድ፡ "ብሽቝረራ ኢና ንነብር ዘለና፣ ናጽነት ተሰሚዑና ኣይፈልጥን። ከም ስደተኛታት ተቐቢሎምና ድዮም ኣይተቐበሉናን ንፈልጦ ነገር ስለ ዘየሎ፡ ውሕስነት የብልናን፡" ይብል።

ከይሓልፈኩም! 7 ፕላኔታት ተሰሪዐን ብዓይኒ ሰብ ዝርኣያሉ ፍሉይ ክስተት

ሰሉስ፣ 25 ለካቲት 2025 ሰዓት 2:25:26 ድ.ቀ.

ብፍላይ ኣብ መወዳእታ ጥሪ፡ ሓደ ለይቲ ፕላኔት ሜርኩሪ ምስተጸንበረተን ሸውዓቲአን ቅጅል ክብላኹም እየን- እቲ ክስተት ካሰብ 2040 ስለዘይፍጠር፡ ከይሓልፈኩ፞ ነቲ ዕድል ተጠቐምሉ።

ማክሮን ዘረባ ትራምፕ ኣቋሪጹ እንታይ ኢሉ?

ሰሉስ፣ 25 ለካቲት 2025 ሰዓት 7:10:52 ቅ.ቀ.

ፕረዚደንት ፈረንሳ ኢማኑኤል ማክሮን ኣብ ዛዕባ ኲናት ዩክረይን ዝግበር ዝኾነ ይኹን ስምምዕ ሰላም 'ውሕስነት ጸጥታ' ሒዙ ክመጽእ ኣለዎ ኢሉ።

'ምምካን ይሕሸና' ኢለን ሻምብቈ ማህጸነን ዝለጕማ ዘለዋ ደቀንስትዮ

ሰሉስ፣ 25 ለካቲት 2025 ሰዓት 5:14:08 ቅ.ቀ.

ካብ 2020 ክሳብ 2023ን ኣብ ኬንያ ኣስታት 16 ሽሕ ደቂ ኣንስትዮ ሻምብቈታት ማህጸነን ክዕጾ ከም ዝገበራ ሓበሬታ ሚኒስትሪ ጥዕና የመልክት።

ፈላሚ መድረኽ ዙር ርዋንዳ 2025፡ ኤርትራዊ ሄኖክ ምሉእብርሃን ቀዳማይ ኣትዩ

ሰኑይ፣ 24 ለካቲት 2025 ሰዓት 1:35:36 ድ.ቀ.

ትማሊ ብፕሮሎግ ዝጀመረ ዙር ርዋንዳ 2025፡ ሎሚ ቀዳማይ መድረኽ ኣብ ዘካየደሉ: ሄኖክ ምሉእብርሃን ብቅጽበታዊ ውድድር ተዓዋቲ ቀዳማይ መድረኽ ኮይኑ። እዛ መድረኽ ካብ ከተማ ሩኮሞ ናብ ካዮንዛ 157.8 ኪሎ ሜተር ትዝርጋሕ ኮይና፡ ካብዘን ሎሚ ዓመት ዝተሰርዓ እታ ዝነውሐት'ያ።

ሰራዊት ሱዳን ካብ ከበባ ሓይልታት ኣ'ሰሪዕ ናጻ ዘውጽኣ ኣገዳሲት ከተማ

ሰኑይ፣ 24 ለካቲት 2025 ሰዓት 4:31:26 ድ.ቀ.

ትማሊ ሰንበት፡ ብጀነራል መሓመድ ሓምዳን ዳጋሎ ዝምሕርሑ ሓይልታት ኣልሰሪዕ ኣብ ርእሰከተማ ናይሮቢ፡ ኬንያ፡ ምስ ካልኦት ተቓወምቲ ብምውህሃድ ኣብቲ ዝቆጻጸርዎ ከባቢታት ናይ ባዕሎም መንግስቲ ክምስርቱ ተሰማሚዖም ነይሮም። ብውሳነ ኬንያ ዝተቖጠዐ ወተሃደራዊ መንግስቲ ሱዳን፡ ካልእ መንግስቲ ክቐውም ከምዘይፍቅድ ብምግላጽ፡ ኣብ ልዕሊ ኬንያ ሕነ ክፈዲ ምዃኑ ኣጠንቂቑ ነይሩ።

ድሕሪ 10 ዓመት ካብ ማእሰርቲ ሓማስ ናጻ ዝወጽአ ቤተ-እስራኤላዊ ኣቬራ መንግስቱ

ሰኑይ፣ 24 ለካቲት 2025 ሰዓት 4:20:43 ቅ.ቀ.

ኢትዮጵያውያን ኣይሁድ፡ ብተኸታታሊ ናብ እስራኤል ኣብ ዝተወስድሉ እዋን ኣቬራ ምስ ወለዱን ኣሕዋቱን ናብ እስራኤል ክኸይድ እንከሎ ወዲ ሓሙሽተ ዓመት እዩ ነይሩ።

ኣባ ተኽለማርያም ሰምሃራይ፡ ንስርዓተ ኣምልኾ ግእዝ ዝተቓለስሉ ኣቦ

ሰንበት፣ 23 ለካቲት 2025 ሰዓት 5:09:53 ቅ.ቀ.

ኣብ ከረን፡ ኢዮሩሳሌም፡ ሮማ፡ ፓሪስ. . . ኰይኖም ዝጸሓፉዎ 46 ምርምራዊ ጽሑፋት ኣበርኪቶም ኣለዉ። ነቲ ንኤውሮጳ ማእከል ዝገበረ ርእዮተ-ዓለም ናብ ምድረ-ሓበሻ ንምእታው ዝግበር ዝነበረ ፈተነታት ብርድኢት ደው ኢሎም ዝመጐቱ፡ ክብርታት ሕብረተሰቦም ንኻልኦት ዘፍለጡን ዋጋ ዝኸፈልሉን እዮም። ካብዛ ዓለም ካብ ዝፍለዩ 83 ዓመት ኣቝጺሮም ኣለዉ - ብዙሕ ሰብ ግን ስሞም እኳ ሰሚዑዎ ኣይፈልጥን።

ኣሌክሳንደር ደጊሙ ይደምቕ፡ ሊቨርፑልከ ዋንጫ ከም እትዓትር ኣፍሊጣ ድያ?

ሰኑይ፣ 24 ለካቲት 2025 ሰዓት 8:04:19 ቅ.ቀ.

"ኣዝዩ ብቑዕን ቅልጡፍን እዩ። ኵሉ ዓይነታት ሸቶታት ስለ ዝመዝግብ ድማ ኵሉ ሳዕ ንተኸላኸልቲ ኣስጋኢ እዩ።" "ካብቶም ቅድሚኡ ቀልጢፎም ናብ 50 ሸቶታት ዝበጽሑ ተጻወትቲ ዝተፈልየ ስለ ዝዀነ፡ ደው ከተብሎ ኣጸጋሚ እዩ።"

"በጃኹም ርድኡና"- ካብ ኣመሪካ ዝተሰጉ ስደተኛታት

ሓሙስ፣ 20 ለካቲት 2025 ሰዓት 8:51:08 ቅ.ቀ.

ሓድሓደ ስደተኛታት ሓርነቶም ከም ዝተሓረሙ ንምምልካት ቅልጽሞም ኣልዒሎም X ይሰርሑ። ካልኦት ድማ፡ "ኣብ ሃገርና ውሕስነት የብልናን፡" ዝብሉ መልእኽታት ዘለዎም ንኣሽቱ ምልክታት ይሰቕሉ።

ኤርትራ፡ ታሪኽ ኣንጻር መንግስቲ ዝተኻየዱ ውሽጣዊ ተቓውሞታት

ረቡዕ፣ 22 ጥሪ 2025 ሰዓት 5:26:02 ቅ.ቀ.

ገለ ካብኡ ብኣድማ ተጋደልቲ ዝፍለጥ፡ ተቓውሞ 20 ግንቦት 1993፣ ተቓውሞ ስንኩላን ኲናት - ሓምለ 1994፡ ሕቶ ለውጢ ጕጅለ 15 ኣብ - ነሓሰ 2001፡ ሕቶ ለውጢ ወዲ ዓሊን ብጾቱን - 21 ጥሪ 2013፡ ተቓውሞ ኣንጻር ምህጋር ቤት ትምህርቲ ኣልድያእ - ጥቅምቲ 2017 እናተባህለ ክግለጽ ይከኣል።

ዓዲ እንግሊዝ ብዛዕባ ስደተኛታት ዘውጽኣቶ 'ሓድሽን ተሪርን ' ሕጊ

ረቡዕ፣ 12 ለካቲት 2025 ሰዓት 5:29:23 ቅ.ቀ.

እቶም ቅድሚ ሕጂ ብተመሳሳሊ ኣገባብ ኣትዮም፡ ዜግነት ክውሃቡ ሕቶ ዘቕረቡ'ውን ሕቶኦም ካብታ ዘመልከቱላ ድሕሪ ዓሰርተ ዓመታት ክርአ ከምዝጅምር ኣብዚ ሓድሽ ሕጊ ሰፊሩ ኣሎ። እዚ ማለት ኣብ ጥሪ 2025 ዜግነት ክውሃቡ ሕቶ ዘቕረቡ፡ ጉዳዮም ካብ ጥሪ 2035 ጀሚሩ ክረአ ክጅምር።

ኤርትራ፡ ካብ ሓርነታዊ ገስጋስ ናብ ምልካዊ ትኻስ

ሰኑይ፣ 6 ጥሪ 2025 ሰዓት 4:33:12 ቅ.ቀ.

እቲ ህዝቢ፡ ዘይጽወር ጸይሩ፡ መሪር ስቓይ ተጻዊሩ፡ ብከቢድ መስዋእቲ ዝረኸቦ ናጽነት፡ "ደጊም ስቓይና ተወዲኡ እዩ!" ብምባል፡ ርሁው መጻኢ እናሓለመ፡ ብድሙቕ ፍሽኽታን ሓጐስን'ዩ ዝጽምብሎ ነይሩ። ግን እቲ ሽዑ ዝነበረ ተስፋን ሕልምን፡ ሕጂ ድሕሪ 33 ዓመት ናጽነት ከመይ ኣሎ? እዚ ጽሑፍ'ዚ፡ ንትጽቢትን ክውንነትን ጕዕዞ ሓድሽ ልደት ኤርትራን ውጽኢቱን ክግምግም እዩ።

ትግራይ፡ 'ብልዕቲ ክልቲኡ ጾታ ሒዘ ብምውላደይ ተነጺለን ተዓሚጸን'

ሰሉስ፣ 10 ታሕሳስ 2024 ሰዓት 4:07:15 ቅ.ቀ.

ኣብ ዓለምና ካብቲ ሕብረተሰብ ዝምድቦ ክልተኣዊ ጾታዊ ፍጥረት (ጓል ኣንስተይቲን ወዲ ተባዕታይን) ወጻኢ፡ ብልዕቲ ክልቲኡ ጾታ ሒዞም ዝውለዱ ሰባት፡ 1.9 ሚኢታዊት ብዝሒ ኣለዎም። ንሳቶም ከኣ ኣብ ኢትዮጵያ ይዅን ካልእ ክፍለ ዓለም ንከቢድ ጸለመን ተነጽሎን ዝተቓልዑ’ዮም።

ዝምድና ኢትዮ-ኤርትራ፡ ሓድሽ ኣሰላልፋ ቀርኒ ኣፍሪቃን ሳዕቤናቱን

ረቡዕ፣ 23 ጥቅምቲ 2024 ሰዓት 5:34:59 ቅ.ቀ.

ኣሰላልፋ ቀርኒ ኣፍሪቃ ኣንፈት ቀይሩ ናብ ሓድሽ ወጥሪ ኣምሪሑ። እቲ ሓደ ኣብ መንጐ ኢትዮጵያን ሶማልያን ዘሎ ወጥሪ ክኸውን ከሎ፤ እቲ ካልኣይ ድማ ኣብ መንጐ ግብጽን ኢትዮጵያን ዝረአ ዘሎ እዩ። ኤርትራን ግብጽን ሶማልያን ሓድሽ ኪዳን ክምስርታ እንከለዋ፡ ኢትዮጵያን ሶማሊላንድ ከኣ ኣብ ዝሓለፈ ጥሪ 2024 ብዝተፈራረማኦ ጉዳይ ኣፍደገ ባሕሪ ኣብ ሓደ ቀጽሪ ከምዘለዋ ይርአ ኣሎ።

ኤርትራ፡ ካቢነ ሚኒስተራት ኣኺልዎ ድዩ ፈሪሱ? ሓድሽ ወለዶ መሪሕነት ንምፍጣር’ከ ተስፋ ኣሎዶ?

ሰኑይ፣ 30 መስከረም 2024 ሰዓት 6:42:02 ቅ.ቀ.

ካቢነ ሚኒስተራት ኤርትራ ንመወዳእታ ግዜኡ ካብ ዝእከብ፡ ዝሓለፈ 28 መስከረም ሽዱሽተ ዓመት መሊኡ ኣሎ። ብዙሓት ኤርትራውያን፡ ካቢነ ሚኒስተራት ኣበይ ኣተወ? ስለምንታይ’ዩ “ደስኪሉ”? ኣባላቱ ዝዀኑ ሚኒስተራትን ዝመርሕወን ሚኒስትሪታትን’ከ ኣብ ምንታይ ኵነታት ኣለው? ዝብሉ ሕቶታት ከልዕሉ ጸኒሖም ኣለዉ።

ኤርትራዊ ጋዜጠኛ፡ ብዛዕባ ነዊሕ ዓመታት ማእሰርቱ ጓሉ ስምዒታ ትገልጽ

ዓርቢ፣ 15 ሕዳር 2024 ሰዓት 12:12:58 ድ.ቀ.

ዳዊት ሓደ ካብቶም ኣብ ዓለም ዝነውሐ ዓመታት ዝተኣስሩ ኤርትራውያን ጋዜጠኛታት እዩ። ንልዕሊ 23 ዓመታት ኣብ ማሕዩር ይርከብ።

ብውሕልነቶም፡ ‘ቡዳ’ እናተባህሉ ዝጥቅዑ ዘለው ኢደ ጥበበኛታት

ረቡዕ፣ 28 ለካቲት 2024 ሰዓት 4:44:11 ቅ.ቀ.

ኣብ ትግራይ ኣብ ስርሓት ኢደ ጥበብ ዝተዋፈሩ ሰባት ‘ሰብ ዝቐትሉ ቡዳታት እዮም’ ብዝብል ባህላዊ እምነት ኣደዳ ግፍዕን ሞትን ምክልባትን ከም ዝዀኑ ይገልጹ። እቲ ኣብ ልዕሊኦም ዝበጽሕ በደላት እናሓመቐን እናወሰኸን ምኻዱ ዝገልጽ ማሕበር ኢደ ጥበበኛታት ትግራይ፡ ካብ ምዝንባል፣ ጸለመን ምፍርራሕን ብዝሰገረ ክሳብ ቅትለት ዝበጽሕ ምዃኑ የረድእ።

ዑስማን ዓብደልረሒም፡ ቅርሲ ሃገራዊ ስነጥበብ ኤርትራ

ረቡዕ፣ 9 ጥቅምቲ 2024 ሰዓት 3:56:13 ቅ.ቀ.

ነቲ ዅሉ ጕዕዞ ህይወቱ እተዘንቱ፡ ብዙሕ ጻዕሪን ወኸሳታት ካብ ዑስማን ጀሚርካ ዝተፈላለዩ ሰባትን ሰነዳትን ዝተገብረላ መጽሓፍ ታሪኽ ህይወቱ ድማ፡ ኣብዚ ቀረባ እዋን ተሓቲማ ናብ ህዝቢ ክትዝርጋሕ ምዃና ኣዳለውታ ንቢቢሲ ገሊጾም ኣለዉ።

ህወሓት ኣብ ቀራና መገዲ - ትማሊን ሎሚን

ዓርቢ፣ 16 ነሓሰ 2024 ሰዓት 4:49:18 ቅ.ቀ.

ህወሓት ቅልውላው ከጋጥሞ እዚ ናይ መጀመርታ ግዜ ኣይኰነን። እቲ ውድብ ኣብ ታሪኹ ካብ በረኻ ደደቢት ክሳዕ ኣራት ኪሎ ዝቐጸሉ ዝተፈላለዩ ውደባዊ ቅልውላዋት ከምዘጋጠምዎ ይፍለጥ። ቢቢሲ ዘዘራረቦም ክልተ መራሕቲ ህወሓት ነበር፡ እቲ ውድብ ንተደጋጋሚ ቅልውላዋት ዝቃላዕ ዘሎ "ካብቲ ዝኽተሎ ፖለቲካን ስነ-ሓሳብን ዝምንጩ'ዩ" ይብሉ።

ኤርትራውያን፡ ስለምንታይ'ዮም ኣብ ኵሉ ኵርናዓት ዓለም ነንሕድሕዶም ዝጋጨዉ ዘለዉ?

ዓርቢ፣ 24 ጉንበት 2024 ሰዓት 5:20:00 ቅ.ቀ.

ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ተቓውሞኦም ከስምዑ ዘይክእሉ ብኣካይዳን ምሕዳራን መንግስቶም ተስፋ ዝቘረጹ ኤርትራውያን፡ ነቲ ቅድሚ 33 ዓመት እታ ሃገር ናጻ ዝወጸትሉ መዓልቲ ንምዝካር ኣብ ወጻኢ ሃገራት ኣብ ዝካየዱ መደባት ተቓውሞ ኣብ ዘካይዱሉ፡ ዓመጽ ዝመልኦ ግጭት ከይፍጠርን ጸኒሑ እዩ።

ቅትለትን ጭውያን ትግራይ፡ ‘ክዳና፡ ጫማኣን ጸጕሪ ርእሳን ኣጽኒሖምለይ’

ሰሉስ፣ 9 ሓምለ 2024 ሰዓት 4:17:48 ቅ.ቀ.

ኣብ ትግራይ፡ ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ዝፍጸም ዘሎ ጭውያ፡ ቅትለትን ጾታዊ መጥቃዕቲን ኣሰካፊ ደረጃኡ ከምዝበጽሐ ስድራ ግዳያትን ተሓለቕቲ መሰላት ደቂ ኣንስትዮን ይገልጹ ኣለው። ኣብ መቐለ ኣብ ዝሓለፉ 11 ኣዋርሕ ቅትለት መንእሰይ ዘውዱ ሃፍቱ ሓዊሱ ቅትለት ኣስታት 12 ደቂ ኣንስትዮ ከም ዘጋጠመ ኮሚሽን ፖሊስ ትግራይ ንቢቢሲ ኣፍሊጡ።

ነብሰ ቅትለት ገበን ድዩ? ሕጊ ኢትዮጵያኸ እንታይ ይብል?

ረቡዕ፣ 26 ለካቲት 2025 ሰዓት 6:29:50 ቅ.ቀ.

ኣብ መብዛሕትአን ሃገራት ዓለም፡ ፈተነ ነብሰ ቅትለት ከም ገበናዊ ተግባር ዘይኮነስ ከም ጸገም ጥዕና ኣእምሮ ዝቑጸር ኮይኑ፡ ኣብ ገለ ሃገራት ድማ ብገበን ዘሕትትን መቕጻዕቲ ዘኸትልን እዩ።

ኣብ ሱዳን ክልተ መንግስታት ክህልዉ ዘግብር ኣካይዳ እንታይ ሳዕቤናት ኣለዎ?

ሰሉስ፣ 25 ለካቲት 2025 ሰዓት 8:23:12 ቅ.ቀ.

ሓይልታት ዳዕመ ኣ'ሰሪዕ ምስ ናይ ፖለቲካውን ዕጡቓትን መሻርኽቶም ኣብ ትሕቲ ቍጽጽሮም ኣብ ዝርከባ ከባቢታት ጐድናዊ መንግስቲ ንምቛም ፖለቲካዊ ቻርተር ፈሪሞም።

ድሕሪ 20 ዓመት ናብ ፖለቲካ ብዛዕባ ዝተመልሰ ሓድሽ ቻንስለር ጀርመን እንታይ ንፈልጥ?

ሰሉስ፣ 25 ለካቲት 2025 ሰዓት 4:22:31 ቅ.ቀ.

ብፍላይ ኣብቲ ምስ ቻንስለር ጀርመን-ነበር ኣንገላ መርከል ዝነበሮ ውሽጣዊ ንሕንሕ ብተደጋጋሚ ተሳዒሩ ነይሩ። ተስፋ ቀቢፁ፡ ካብ ፖለቲካ ክርሕቕ'ውን ውሲኑ ነይሩ። እቲ ክልተ ሰለስተ ግዜ ስዕረት ዝጠዓመ መርዝ፡ ምሉእ ብምሉእ ካብ ባይቶ ወጺኡ ናብ ስራሕ ዓለም ኣቢሉ፡ ካብ ፖለቲካ ፈጺሙ ተረሲዑ፡ 'ኣኺሉዎ ናይ ትማሊ ሰብ' ተባሂሉ'ውን ነይሩ።

ዓበይቲ ግድላት ክፈትሕ ትጽቢት ዝግበረሉ ዘሎ 'ሓድሽ ፍጥረት' ኳንተም ኮምፒዩተር

ቀዳም፣ 22 ለካቲት 2025 ሰዓት 8:48:52 ቅ.ቀ.

እዚ 'ማጆራ 1' ተባሂሉ ዘሎ ምህዞ ነቲ ዝሕለም ዘሎ ዘይተኣደነ ግድላት ዓለም ኣብ ሓጺር ህሞት ክፈትሕ ትጽቢት ዝግበረሉ 'ኳንተም ኮምፕዩተር' ንምስራሕ ወሳኒ ግደ ዘለዎ'ዩ። ከምዚኦም ዝበሉ ኳንተም ኮምፕዩተራት ንምስራሕ ዓሰርተታት ዓመታት ክወስድ ከም ዝኽእል'ዩ ክንገር ጸኒሑ።

ኣብ ውራያ ዘይተዓደመትሉ ዩክረይን፡ መን እንታይ ይኸስብ ኣሎ?

ረቡዕ፣ 19 ለካቲት 2025 ሰዓት 4:33:02 ቅ.ቀ.

ልኡኻት ምምሕዳር ዶናልድ ትራምፕን ሩስያዊ መዘናኡ ቭላድሚር ፑቲንን ኣብ ስዑዲ ዓረብ ተራኺቦም ኣለዉ፤ መራሕቲ ኤውሮጳ ድማ ኣብ ፈረንሳ- ፓሪስ ተራኺቦም። ትራምፕን ፑቲንን'ውን ኣብ ቀረባ ኣብ ሪያድ ክራኸቡ ምዃኖም ይግለጽ።

 ሃገራት ዓረብ ንቓዛ ዳግማይ ንምህናጽ እንታይ ወጢነን ኣለዋ?

ሰሉስ፣ 18 ለካቲት 2025 ሰዓት 8:11:24 ቅ.ቀ.

ግብጽን ብዙሓት ሃገራት ዓረብን ንቓዛ ዳግማይ ንምህናጽ ሃቐነታት የርእያ ኣለዋ፡ እዚ ከኣ ፍሊስጤማውያን ነበርቲ ቓዛ ካብቲ ቦታ ከይተፈናቐሉ ኣብ ቦትኦም ንኽጸንሑ'ዩ፤ እንተኰነ እቲ ቦታ ካብ ሓማስ ነጻ ክኸውን ከኣ ይደልያ'የን። እዚ ነቲ ዶናልድ ትራምፕ ንፍሊስጤማውያን ነበርቲ ቓዛ ናብ ግብጺ፡ ዮርዳኖስ ካልኦት ሃገራት ኣዕራብን ኣግዒዙ ነቲ ቦታ ናይ ምቁጽጻር መደብ ከምዘለዎ ምስ ገለጸ፡ ከም ግብረ መልሲ ዝተወሰደ ስጉምቲ'ዩ።

ኣመሪካ 'ዓርስኹም ክኣሉ' ኢላ፡ ኤውሮጳኸ መጻኢ ዩክረይን ከተውሕስ ድያ?

ሰኑይ፣ 17 ለካቲት 2025 ሰዓት 5:54:12 ቅ.ቀ.

ምምሕዳር ትራምፕ ምስ መሻርኽቲ ኤውሮጳ ንዘሎ ዝምድናታት ይዅን ምክልኻሎም ቀዳምነት ይህብ ከም ዘሎ ዘንጊዖም ዝተገንዘቡ ይመስሉ -ምናልባት ኣዝዩ ዘፍርሕ ግን ከኣ ምሉእ ንምሉእ ዘይተጸበናዮ ኣይኰነን። ኤውሮጳ ካብ ካልኣይ ኲናት ዓለም ጀሚራ፡ ጽግዕተኛ ሓገዛት ጸጥታ ኣመሪካ ኰይና እያ ጸኒሓ።

ዓለም 'የሻል' ኢላ ከም መንግስቲ ዝተቐበለቶም ዕጡቓት

ሰኑይ፣ 17 ለካቲት 2025 ሰዓት 5:15:18 ቅ.ቀ.

ሶርያዊ ኣሕመድ ኣልሻራ፡ ካብቶም ኣሸበርቲ ተባሂሎም ዝተሰምዩ ግን ከኣ ሕጂ ከም ሕጋውያን ፖለቲካዊ መራሕቲ ዝሕሰቡ ዘለዉ መራሕቲ እዩ።

ክልተ ዓበይቲ ቅልውላዋት ዝወረሰ ሓድሽ ኣቦ መንበር ሕብረት ኣፍሪቃ እንታይ ይጽበዮ?

ሰንበት፣ 16 ለካቲት 2025 ሰዓት 5:18:13 ቅ.ቀ.

መራሕቲ ሃገራት ኣፍሪቃ ንሚኒስተር ጕዳያት ወጻኢ ጅቡቲ ማሕሙድ ዓሊ ዩሱፍ ኣቦ መንበር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪቃ ገይሮም መሪጾም። ንሱ፡ ካብ 2005 ጀሚሩ ሚኒስተር ጕዳያት ወጻኢ ጅቡቲ ኰይኑ ክሰርሕ ጸኒሑ፤ እዚ ድማ ኣብታ ኣህጕር ሚኒስትሪ ጕዳይ ወጻኢ ኰይኑ ንሓያለ ዓመታት ዘገልገለ መራሒ ይገብሮ።

ስልጣን፡ ደሞዝን ጥቕምታትን ኣቦ መንበር ኮሚሽ ሕብረት ኣፍሪቃ እንታይ ይመስል?

ቀዳም፣ 15 ለካቲት 2025 ሰዓት 9:02:26 ቅ.ቀ.

ኣቦ መንበር ኮሚሽን እቲ ሕብረት መደበሩ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኮይኑ፡ ኣብ ርእሲ'ቲ ካብ ሓላፍነቱ ዝረኽቦ ስምን ዝናን፡ ብዝሰርሖ ስራሕ ካብቲ ማሕበር ንገዛእ ርእሱን ንስድርኡን ዝተፈላለየ ረብሓታት ይረክብ።

ኣብ ኮንጎ ኪንሻሳ ዕግርግር ፈጢሩ ዘሎ መራሒ ዕጡቕ ጉጅለ መን'ዩ?

ሰሉስ፣ 11 ለካቲት 2025 ሰዓት 4:33:38 ቅ.ቀ.

ማኪንጋ፡ ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ልዑል ስትራተጂካዊ ክእለትን ኣብ ውግእ ዓበይቲ ጕጅለታት ወተሃደራት ብምእዛዝን ምኵር ከም ዝዀነ ኣመስኪሩ'ዩ፤ በዚ ዝና'ውን ረኺቡ።

ኤርትራ፡ ክንዮ ፈንቅል ዝነበረ ባህጊን ትጽቢትን

ሰኑይ፣ 10 ለካቲት 2025 ሰዓት 4:23:17 ቅ.ቀ.

እታ ቅድሚ 35 ዓመታት ከቢድ ዋጋ ዝተኸፍላ ወደባዊት ከተማ ባጽዕ ድሕሪ ናጽነት እንታይ ለውጢ ኣርእያ? ማዕቢላ'ዶ ኣይማዕበለትን? ካብቲ ዝነበረቶ ማዕረ ክንደይ ሰጒማ? ዝብል ሕቶ ክለዓል ግድን እዩ። ቅድሚኡ ግን ዛንታ ወደባዊት ከተማ ባጽዕን ዕቝር ዓቕማን ምድህሳስ ኣገዳሲ እዩ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ እንታይ'ዩ ዝደሊ፣ ሕርያ ትግራይ ከ እንታይ'ዩ?

ዓርቢ፣ 7 ለካቲት 2025 ሰዓት 4:01:55 ቅ.ቀ.

እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር፡ "ለበዋ ንህዝቢ፡ ብፍላይ ድማ ንልሂቃን ትግራይ" ብዝብል ብቋንቋ ትግርኛ ዝዘርግሖ ደብዳበ ክሳብ ሕጂ የዘራርብ ኣሎ። እዚ መግለጺ፡ ብቐንዱ ኣብ ትግራይ ሰፊኑ ዘሎ ወጥሪ ብሰላማዊ ኣገባብ ክፍታሕ ይምሕጸን።እዚ ለበዋ ዝቐረበሎም ልሂቃንን ፖለቲከኛታትን ትግራይ እንታይ ይብሉ?

'ምምካን ይሕሸና' ኢለን ሻምብቈ ማህጸነን ዝለጕማ ዘለዋ ደቀንስትዮ

ሰሉስ፣ 25 ለካቲት 2025 ሰዓት 5:14:08 ቅ.ቀ.

ካብ 2020 ክሳብ 2023ን ኣብ ኬንያ ኣስታት 16 ሽሕ ደቂ ኣንስትዮ ሻምብቈታት ማህጸነን ክዕጾ ከም ዝገበራ ሓበሬታ ሚኒስትሪ ጥዕና የመልክት።

ድሕሪ 20 ዓመት ናብ ፖለቲካ ብዛዕባ ዝተመልሰ ሓድሽ ቻንስለር ጀርመን እንታይ ንፈልጥ?

ሰሉስ፣ 25 ለካቲት 2025 ሰዓት 4:22:31 ቅ.ቀ.

ብፍላይ ኣብቲ ምስ ቻንስለር ጀርመን-ነበር ኣንገላ መርከል ዝነበሮ ውሽጣዊ ንሕንሕ ብተደጋጋሚ ተሳዒሩ ነይሩ። ተስፋ ቀቢፁ፡ ካብ ፖለቲካ ክርሕቕ'ውን ውሲኑ ነይሩ። እቲ ክልተ ሰለስተ ግዜ ስዕረት ዝጠዓመ መርዝ፡ ምሉእ ብምሉእ ካብ ባይቶ ወጺኡ ናብ ስራሕ ዓለም ኣቢሉ፡ ካብ ፖለቲካ ፈጺሙ ተረሲዑ፡ 'ኣኺሉዎ ናይ ትማሊ ሰብ' ተባሂሉ'ውን ነይሩ።

ፈላሚ መድረኽ ዙር ርዋንዳ 2025፡ ኤርትራዊ ሄኖክ ምሉእብርሃን ቀዳማይ ኣትዩ

ሰኑይ፣ 24 ለካቲት 2025 ሰዓት 1:35:36 ድ.ቀ.

ትማሊ ብፕሮሎግ ዝጀመረ ዙር ርዋንዳ 2025፡ ሎሚ ቀዳማይ መድረኽ ኣብ ዘካየደሉ: ሄኖክ ምሉእብርሃን ብቅጽበታዊ ውድድር ተዓዋቲ ቀዳማይ መድረኽ ኮይኑ። እዛ መድረኽ ካብ ከተማ ሩኮሞ ናብ ካዮንዛ 157.8 ኪሎ ሜተር ትዝርጋሕ ኮይና፡ ካብዘን ሎሚ ዓመት ዝተሰርዓ እታ ዝነውሐት'ያ።

ቻይናውያን ቢልየነራት ስለ ምንታይ'ዮም ዝስወሩ?

ሰንበት፣ 23 ለካቲት 2025 ሰዓት 5:59:48 ቅ.ቀ.

ብ2015 ዓ.ም [ኣ.ኤ]፡ ዋና ጋንታ ኵዕሶ እግሪ ፕሪምየር ሊግ ዎልቨርሃምፕተን ዋንደርደርስን ኣቦ መንበር ፎሱን ኢንተርናሽናል ኩባንያ ጉዎ ጉዋንግቸንግን ሓዊሱ ሓሙሽተ ቢልየናት ተሰዊሮም ነይሮም።

ኤርትራ፡ 'ዝወጽኡ ሓደስቲ መምርሒታት' ኣብ ህዝቢ ሻቕሎት ይፈጥሩ

ዓርቢ፣ 21 ለካቲት 2025 ሰዓት 4:56:31 ቅ.ቀ.

ንምእታውን ምውጻእን ምንቅስቓስ ዜጋታት ዝምልከት ብመልክዕ "መምርሒታት" ዝወጽእ ኰይኑ፡ በቲ ካብ ግዜ ናብ ግዜ እናሓየለ ዝመጽአ ህዝባዊ ምምሕዳራት ኣቢሉ እዩ ኣብ ግብሪ ክውዕል ዝርአ። ብእኩብ መንገዲ ዝንገር ዘይኰነ ከኣ በብጉዳይካ ምስ ከድካ ትፈልጦ ምዃኑ ብዙሓት መረረኦም ክገልጹ ጸኒሖም እዮም።

መቓብር ፍሒርካ...፡ 'መስቀል ጓለይን ኣደይን ተሰሪቑ'

ሓሙስ፣ 20 ለካቲት 2025 ሰዓት 8:01:33 ቅ.ቀ.

መካነ መቓብር፡ ንደቂ ሰብ ብዙሕ ነገራት ስለዘዘኻኽሮም ጥራይ ዘይኰነ፡ ሬሳ መዋትያን ዘልኣለማዊ ዕረፍቲ ዝረኽበሉ መካን ስለዝዀነ፡ ብንቡር ክትበጽሖ'ውን ዝድፈር ኣይኰነን። በዚ ድማ እዩ ካብ መቓብር ዝግበር ስርቂ ብዙሕ ግዜ ዘዛርብን፡ ሕሉፍ ነውሪ ዝቝጸርን።

ኲናት ዩክረይን መን'ዩ ጀሚሩዎ? - ክሲታት ትራምፕ እንክጻረ

ሓሙስ፣ 20 ለካቲት 2025 ሰዓት 6:01:24 ቅ.ቀ.

ሰበ ስልጣን ዩክረይን፡ ኣካል እቲ ብሰሉስ ኣብ ሪያድ ክካየድ ዝጀመረ ዝርርብ ኣመሪካን ሩስያን ብዘይምዃኖም ዕጉባት ኣይኰኑን። ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ ድማ ዩክረይን ነቲ ምስ ሩስያ ዝኣተወቶ ኲናት ተሓታቲት ምዃና ክኸስስ ተሰሚዑ ኣሎ።

ዘይደቀሰ ጉዳይ ሞት ኤርትራዊ ስደተኛ ሄኖክ ዛይድ

ረቡዕ፣ 19 ለካቲት 2025 ሰዓት 7:44:51 ቅ.ቀ.

ቤት-ፍርዲ ዓባይ ብሪጣንያ ነቲ ብ12 ነሓሰ 2021 ኣብ ከተማ ኮቨንትሪ ኣብ ዝርከብ ትካል ጥዕና ኣእምሮ፡ ባዕሉ ህይወቱ ከም ዘጥፍአ ዝተገልጸ ሄኖክ ዛይድ ገብረስላሴ ንኣማውታኡ ዝምልከት መርትዖታት ሰሚዑ።

ኤርትራ ንሙላቱ ተሾመን 'ምትዂታዂ ኢትዮጵያን' ዝሃበቶ ተሪር ግብረመልሲ

ሰሉስ፣ 18 ለካቲት 2025 ሰዓት 3:27:11 ድ.ቀ.

ብዘይካ'ዚ፡ ኢትዮጵያ ኣንጻር ኤርትራ ተጻባኢ ጐስጓሳት ከተካይድ ምጽንሓ'ውን ኤርትራ ብወገና ከሲሳ'ላ። እቲ ንፈለማ እዋን ብወገን ኤርትራ ዝወጸ ተሪር ነቐፌታ ዝሓዘለ ቀጥታዊ ግብረመልሲ ንምትፍናን ክልቲአን ሃገራት ቀሊዕዎ'ሎ።

'ኤርትራ ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ኲናት ክትውልዕ ትሓስብ ኣላ' - ፕረዚደንት ነበር ሙላቱ ተሾመ

ሰኑይ፣ 17 ለካቲት 2025 ሰዓት 8:11:44 ድ.ቀ.

ኤርትራ ኣብቲ ኣብ መንጐ ህወሓት ተፈጢሩ ዘሎ ምግምማዕ ኢዳ ተእቱ ከምዘላን ንዕጡቓት ኣምሓራ ከምእትድግፍ'ውን እቲ ኢትዮጵያዊ ርእሰ-ብሄር ነበር ኣብ ጽሑፉ ኣስፊሩ'ሎ።

ውዕል ፕሪቶሪያ፡ ጌታቸው ረዳ ዘልዓለን ሰለስተ ነጥቢታት

ሰኑይ፣ 17 ለካቲት 2025 ሰዓት 10:58:50 ቅ.ቀ.

እቲ ልዕሊ ክልተ ዓመት ዝገበረ ስምምዕ ሰላም፡ ኣተገባብራኡ ውጽኢታዊ ኣይኰነን ዝብሉ ሓያለ ነቐፌታ ክቐርበሉ ጸኒሑ እዩ፤ ሕብረት ኣፍሪቃ ግን፡ እቲ መስርሕ ሰላም፡ ብኣፍሪቃዊ ዋንነት ዝካየድ መንጐኝነት፣ ስትራተጂያዊ ርክባት፡ ምሕደራ ምስጢራዊነት ዝብሉ ኣገዳስቲ ተመኵሮታት ቀሲመሉ'የ ኢሉ።

ፓርላማ እስራኤል 'ንስርዓት ሃገሮም' ዝድግፉ ኤርትራውያን ስደተኛታት ንምስጓግ እማመ ኣቕሪቡ

ሓሙስ፣ 13 ለካቲት 2025 ሰዓት 3:43:45 ድ.ቀ.

ኣብ ሞንጎ ኤርትራን እስራኤልን ዝጸንሐ ዲፕሎማስያዊ ዝምድና ኣብ ዝሓለፈ ገለ ዓመታት እናዛሕተለ ከምዝመጸ ይግለጽ።ኣብ 2019፡ ትካል ስለያ እስራኤል፡ ሞሳድ'ውን "ምስሊ መንግስቲ ኤርትራ ንምስይጣን" ምስቶም ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ዝንቀሳቐሱ "ሓይልታት ሽበራ" ምትእስሳር ኣለዎ ዝብል "ጸለመ" ይዝርግሕ ነይሩ ክትብል ኣስመራ ከሲሳ ነይራ።

ኣብ ማእኸላት ገበን ምትላል ክሰርሑ ዝጸንሑ '138 ኢትዮጵያውያን' ነጻ ወጺኦም

ሓሙስ፣ 13 ለካቲት 2025 ሰዓት 9:48:45 ቅ.ቀ.

እዞም ሰራሕተኛታት፡ ካብ ኢትዮጵያ፣ ኬንያ፣ ፊሊፒንስ፣ ማሌዥያ፣ ፓኪስታን፣ ቻይና፣ ኢንዶነዥያ፣ ታይዋን፣ ኔፓል፣ ኡጋንዳ፣ ላኦስ፣ ብሩንዲ፣ ብራዚል፣ ባንግላድሽ፣ ናይጀርያ፣ ታንዛንያ፣ ስሪላንካ፣ ህንዲ፣ ጋናን ካምቦድያን ዝመጽኡ 221 ደቂ ተባዕትዮን 39 ደቂ ኣንስትዮን ዝርከብዎም'ዮም።